ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ሓደጋ ፖልዮ (መልመስቲ) ኣብ ቓዛ 'ኣዝዩ ስክፍታ' ከም ዘለዎ ይገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ሓደጋ ፖልዮ (መልመስቲ) ኣብ ቓዛ 'ኣዝዩ ስክፍታ' ከም ዘለዎ ይገልጽ  (AFP or licensors)

ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ሓደጋ ፖልዮ (መልመስቲ) ኣብ ቓዛ 'ኣዝዩ ስክፍታ' ከም ዘለዎ ይገልጽ

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቓዛ እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዝኾነ ተህዋስ ፖልዮ (መልመስቲ) ከጋጥም ከምዝኽእል ዘለዎ ሻቕሎት ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ኣብ ረስሓ ማይ ብዝተረኽበ ኣሰር ተህዋስ መልመስቲ ሕማም (ፖሊዮ) ብሰፊሕ ክላባዕ ከም ዝኽእል ትካል ጥዕና ዓለምን ሓልዮ ህጻናት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣጠንቂቖም ኣብቲ ከባቢ ጃምላዊ ወፍሪ ክታበት ከየድለየ ኣይክተርፍን እዩ ይብሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል፡ እቶም መርኣያታት ህላወ ተህዋስ መልመስቲ፡ ኣብ ቤተ - ስነ ምርምር ተህዋስ እስራኤል ኣብ ዝተገብረ መርመራዊ መጽናዕቲ ካልኣይ ዓይነት ተህዋስ መልመስቲ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ቅድም ክብል ተመሳሳሊ ድምዳመ ኣውጺኡ እውን እንተነበረ ክሳብ ሕጂ በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ኮነ ዝሞተ ሰብ ግን ከም ዘይተራእየ የረጋግጽ።

መልመስቲ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሕማም ክኸውን ከም ዝኽልን ብቐንዱ ንዕሸላት ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ዘጥቅዕ እዩ ብጀካ ህንጻናት ንዘይተኸተበ ሰብ እውን ክሕዞ ዝኽእል ሕማም ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

እቲ ቫይረስ ንዓንዲ ሕቖ ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ኣብ ህጻናት ንድሕሪት ዘይምለስ መልመስቲ ከስዕብ ይኽእል።

ሰራዊት እስራኤል ድሮ ኣብ መሬት ፍልስጤም ንዝተዋፈሩ ወተሃደራቱ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ጀሚሩ ከም ዘሎን እቲ ወፍሪ ክትባት ንኹሎም ኣባላት ኣጋር ወተሃደራት፡ ንስሩዕን ዕቑር ሰራዊትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ንህዝቢ ፍልስጤም ክትባት ክቐርብ ከም ዝኾነን ዛጊድ 300 ሽሕ ክታበት ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ብመሰረት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣል - ፋታሕን ሓማስን ዘለዎም ዘይምርድዳእ ኣወጊዶም ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ምስ ካልኦት 12 ጉጅለታት ፍልስጤም ከም እተሰማምዑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ቻይና እስላማዊ ሓማስ ዝርከብዎም 14 ጉጅለታት ፍልስጤም ድሕሪ ኲናት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሃገራዊ ግዝያዊ መንግስቲ ክቐውም ከምዝተሰማምዑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ከም ዝሓበረን ቻይና ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንግርጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብኽልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል መገዲ ክፍታሕ ከም ዝኽእልን ነዚ መርገጺ እዚ ድማ ከም እትድግፍን እዚ ኸኣ ከም ጎረቤት እስራኤል ብሓባር እትነብር ናጻ ሃገር ፍልስጤም ክትህሉ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

24 July 2024, 15:43
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031