ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Largo - Allegro
መርሓ ግብሪ ፈነወ
Protest against the results of the presidential elections in Venezuela Protest against the results of the presidential elections in Venezuela  (ANSA)

ቬንዝዌላ፦ ቅድስቲ መበር ንምይይጥን 'ዲሞክራስያዊ ህላወን' ጻውዒት ተቕርበሎም

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ እተገብረ ናይ ምርጫ ርእሰ ብሔር ሃገረ ቬንዝዌላ ኣብ ዝተገብረ ተቅውሞ 20 ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ብምሕባሮም፣ ቅድስቲ መንበር ንዅሎም እቶም ኣብ ቬንዝዌላ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ምይይጥን "ሰላማዊ ኣረኣእያን" ክገብሩ ተማሕጸነቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ ኣብ እተገብረ ናይ ምርጫ ርእሰ ብሔር ሃገረ ቤንዝዌላ ውጽኢቱ ካብ ዚእወጅ ኣትሒዙ ንኸተማታት እታ ሃገር ተቓውሞታት ኣዕለቕሊቕወን ይርከብ ኣሎዩ። መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዝገለጾ በቶም ወሃብቲ ድምጺ ከም ዝተመዝገበ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኢዩ።

ብመሰረት ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላትን ዝወጸ መገለጺ፣ ሓይልታት ጸጥታን ተቓወምትን ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት እታ ሃገር ግጭት ስለ ዚልዓሉ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ተቓውሞታት እንተ ወሓደ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር።

እቲ ቐዋሚ ተዓዛቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ኦኤኤስ) ነቲ ጳጳሳአት ቨኔዝዌላ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግሉጽነት ክህልዎ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዝድግፎ ወን ገለጸ።

የኔታ ዃን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሰራኖ ከም ዘመልከትዎ እቲ ቅድስቲ መንበር ነቲ "ዲሞክራስያዊ ጸዋዕታ ህዝቢ ቨኔዝዌላ ኣብቲ 'ኵሎም ቨኔዝዌላውያን ኣብ መስርሕ ምርጫ ዘለዎም ሰፊሕን ንጡፍን በርገሳውን ተሳትፎ' ከም ዝድገፍ ገለጹ።

ጻውዒት ምይይጥን ምክብባርን

ትማሊ ረቡዕ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ. ሲ. እተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ቐዋሚ ተዓዛቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ የኔታ ዃን መደረ ኣቕረቡ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ኦኤኤስ ንመንግስቲ ቨኔዝዌላ ምስቲ እቲ ካብ ድምጺ ምርጫ እተረኽበ ውጽኢት ግሉጽነት ክህልዎ ዝጠልብ ውሳነ ኣየቕረባን። እቲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ 18 ድምጺ ኽሓልፍ ዝሓትት እኳ እንተ ነበረ 17 ሃገራት ጥራይ ኢየን ደገፈን ሂበን 11 ካልኦት ድማ ኣይተቐበላኦን።

የኔታ ክሩዝ ኣብ መግለሲኦም እቶም ተወከልቲ ናይቲ ቅድስቲ መነበር ናብ ኦኤኤስ "ነቲ ዝቐረበ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ከም ዘይተቐበልዎ" ገለጸት።

"ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ቅድስቲ መንበር እተፈላለየ ኣቕዋምን ተቐውሞታትን "በቲ ኽሳዕ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ሰላማዊ ኣረኣእያን ኣኽብሮትን ተጻዋርነትን" ክግበር ከም ዘለዎ ኢያ እትኣምን" ክብሉ ኣመልከቱ።

የኔታ ክሩዝ መደረኦም ኣብ ምዝዛም ነቲ ስዒቡ ዘሎ ዓመጻ ንምስናፍ ዘተ ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ቅድስቲ መንበር ዝርርብ ምግባርን ኵሎም ኣብዚ መስርሕ እዚ እቱዋት ዝዀኑ ፖለቲነከይናታትን ተዋሳእትን ንጡፋትን ምሉእ ተሳትፎ ምግባርን ጥራይ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ናብ ምስግጋርን ከምኡውን ኣብታ ሃገር ደሞክራስያዊ ህላወ ከም ዘሎ ናብ ምምስካር ክመርሕ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝእምት " ክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ።

ማእከል ካርተር፦ 'ዘይዲሞክራስያውያን' ምርጫታት

ነበር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጂሚ ካርተር ዝመስረቶ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ መኽሰብ ኣልቦ ማእከል ካርተር እቲ ኣብ ቨነዝወላ እተገብረ ምርጫ "ምልኣተ ምርጫ ኣብ ዝምልከት ኣህጉራዊ መለክዒታት ኣየማልእን ኢዩ፣ ከም ደሞክራስያዊ ገይርካ ክውሰድ እውን ኣይከኣልን ኢዩ፣" ዝብል መግለጺ ኣውጽአ።

ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ ቬንዝዌላ ነቲ 17 ክኢላታትን ተዓዘብትን ዘዳለወ ማእከል ካርተር ነቲ ምርጫ ኺዕዘብ ጻውዒት ኣቕረበሉ።

እቲ ማእከል ነቲ ዋዕላ ምርጫ "ብመደበራት ድምጺ እተሓናፈጸ" ውጽኢት ብምእዋጁ ነቐፎ እዚ ድማ "ንስርዓታት ምርጫ ኸቢድ ምጥሓስ" ምዃኑ ገለጸ።

"ኣብ ብምሉኡ እቲ ናይ ምርጫ መስርሕ ሰበ-ስልጣን ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ ቬንዝዌላ ነቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ሓለፋታት ብምግባሮምን ንሕሱያት ብምንጻጐምን!” ክብል እቲ መግለጺ የመላኽት።

ኣብ መደምደምታ ማእከል ካርተር ንዜጋታት ቨኔዝዌላ ብሰላማውን ሲቪላዊ መንገድን ብምምራጾም ነኣዶም እንተዀነ ግን ጻዕርታቶም "በቲ ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ ቬንዝዌላ ከም ዝተናዕቀን ግሉጽነት ከም ዘይነበሮን” ውን ኣመልከተ።

02 August 2024, 16:33
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031