ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Remerciement de Corelli
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ቬነዙዌላ ሕዝባዊ ምርጫ፥ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነትን ተስፋ ዕርቂን ቬነዙዌላ ሕዝባዊ ምርጫ፥ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነትን ተስፋ ዕርቂን  (AFP or licensors)

ቬነዙዌላ ሕዝባዊ ምርጫ፥ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነትን ተስፋ ዕርቂን

ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሃገረ ቨነዝወላ ልዕሊ ዕስራ ሚልዮን ዜጋታት ዕለት 28 ሓምለ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ድምጺ ከም ዝሃቡን በዚ ምርጫ እዚ ኣቢሉ መራጺ ህብዚ ነቲ ካብ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኒኮላስ ማዱሮ ከረጋግጽ ድዩ ወይ ድማ ነቶም ሕጹይ ተመራጺ ኮይኖን ንዝቐረቡ ተቓዋሚ ኤድሙንዶ ጎንዛለዝ ኡሩትያ "ሃገራዊ ዕርቂ” ዝብል ዕላማ ንዝገበረ ክሓርዩ ድዩ ድሕሪ ቆጸራ ድምጺ ክፍለጥ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቻቪዝነት” ኣብ መወዳእታ ዑደቱ ድዩ ዘሎ? ድሕሪ 25 ዓመታት ንፈለማ እዋን ቬንዙዌላ ብዓይኒ ምርጫን ፖለቲካን ርኡይ ዘይኮነ ዘይርጉጽነት የጋጥማ ምህላዉ መብዛሕቲኦም ናይ ላቲን ኣመሪካ ፖለቲካ ተንተንቲ ኣብ ዘመላኽትሉ ዘሎ እዋን ዕለት 28 ሓምለ፡ እቲ መጻኢ መንግስቲ ገና ብኒኮላስ ማዱሮ ክምራሕ ድዩ ኣይምራሕን ንምውሳን ልዕሊ 21 ሚልዮን መራጽቲ ድምጾም ከም ዝሃቡን - ካብ 2013 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ፡ ድሕሪ ሞተ ርእሰ ብሔር ሁጎ ቻቨዝ ዝተመርጸ መራሒ ፖለቲካዊ ወድብ ማሕበርነት ንሓድነት ቨነዝወላ ርእሰ ብሔር ኮይኑ፡ ከቐጽል ወይ ድማ ኣብ ክንድኡ፡ ነቲ ኣብቲ ምርጫ ሕጹይ ኮይኑ ንዝቐረበ ወዲ ሰብዓን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኡ እንኮ ሕጹይ ዘለለየ ዲሞክራስያዊ ሓድነት ፖለቲካዊ ወኪሉ ነታ ብምሕደራዊ ዘይምዕሩይነት ተኸሲሳ ንዝቕጽል 15 ዓመት ኣብ ምርጫ ንኸይተቐርብ ንዝተበየና ማሪያ ኮሪና ማቻዶ ተኪኡ ንዝቐረበ ኤድሙንዶ ጎንዛለዝ ኡሩትያ ክመርጽ ድዩ ድሕሪ ቆጸራ ድምጺ ዝፍለጥ ይኸውን።

ሓይሊ ጎንዛለዝ

ጎንዛለዝ ንፖለቲካ ጓናን: ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ፡ ሕጹይነቱ ምስ ተኣወጀ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝኣተወን ምናልባት ኣብዚ እዋን’ዚ ልክዕ ኣብ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ መድርኽ እታ ሃገር ኢድ ዘይነበሮ ብምዃኑ እዚ ድማ ሰፊሕ ተቐባልነት ክህቦ ከም ዝኽእል ግምት ከም ዘሎን ትካላት ትንበያታት 27% ህዝባዊ ተቐባልነት ክህልዎ ከም ዝኽእል ክሕብራ እንከለዋ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተንተንቲ ድማ ካብ 56% ክሳብ 35% ድምጺ ክረክብ ይኽእል ዝብል ግምት የቕርባ።

ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው

ቬንዙዌላ ዝተሓላለኸ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት ትሓልፍ ኣላ - ብሰንኪ ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም. ዘጋጠማ ዳርጋ ናብ 200% ዝቀራረብ ዝቕባበ ቁጠባ ኣብ መንጎ ዕዳ መንግስቲን ምስ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ክነጻጸረ እንከሎ ልዕሊ 326% እዚ ልዕሊ 33 ሚታዊ ሽቕለት ኣልቦነት ከምኡ’ውን ጽኑዕ ስርዓት እገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ነዳድን ጋዝን እታ ሃገር፡ ንልዕሊ 7 ሚልዮን ሰባት ካብታ ሃገር ክሃድሙ ከም ዝደረኸን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ "ምልክታት ዕድላትን ምምሕያሻትን” ከም ዘሎን ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ወርሒ ሰነ 2024 ዓ.ም. ዝቕባበ ዋጋታት ብዓቢኡ ከም ዝነከየን፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ዕብየት ኤኮኖሚ ናብ 4% ዝቐራረብ ክኸውን ከም ዝኽእል ይፍለጥ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ቬንዙዌላ ኣብ ንጹር ናይ ለውጢ ህሞት ትርከብ።

29 July 2024, 16:25
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031