ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Rosario in Latino
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ጳጳሳት ቬነዝዌላ ኣብ ውጽኢት ምርጫ ግሉጽነት ክህሉ ይላበዉ ጳጳሳት ቬነዝዌላ ኣብ ውጽኢት ምርጫ ግሉጽነት ክህሉ ይላበዉ  (ANSA)

ጳጳሳት ቬነዝዌላ ኣብ ውጽኢት ምርጫ ግሉጽነት ክህሉ ይላበዉ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ ኣብ መላእ ቬነዝዌላ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ብዝምልከት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታት ኣብ ግምት ብምታው ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ናይቲ ሕዝባዊ ምርጫ ውጽኢት ዝተደናገረ ከይከውን ኣብ ቆጸራ ድምጺ ግልጽነት ክህሉ ይላበው።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገራዊ በዓል መዚ ምርጫ፡ ነቲ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐረበ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ፡ ተዓዋቲ እንክብል ብወግዒ ከም ዘፍለጠን እዚ ውሳኔ እዚ ማዱሮ ንሃገረ ቨነዝወላ ንሳልሳይ ግዜ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ንኽመርሕ መሰል ዝህቦ ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፡ ተቃወምትን ናጻ ኣካላትን ነቲ ውጽኢት ዘይእመን እዩ ከም ዝበሉን መራሕቲ ተቓወምትን ናይ ወጻኢ ተዓዘብትን ብማዕረ ኣብ ምቑጻር ድምጺ ግሉጽነት ክህሉ ከም ዝሓተቱን ሃገራዊ በዓል መዚ ምርጫ ዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ማዱሮ ተዓዋቲ ርእሰ ብሔር ምዃኑ ንምዋጅ ድሕሪ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ካብ ቨነዝወላ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጳጳሳት ንፍጻመታት "ብቐረባ ይከታተሉ"

ኣብ ማእከል እዚ ናዕቢ እዚ ጉባኤ ጳጳሳት ቬንዙዌላ “ኩሎም ቬንዙዌላውያን ኣብ መስርሕ ምርጫ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ንኢዶም እዚ እውን "ንዲሞክራሲ ዘለና ተወፋይነት ዘረጋግጽ እዩ” ቢሎም፡ "ከም ጓሶት ህዝቢ እግዚኣብሔር መጠን፡ ነቲ ዝግንፍል ዘሎ ፍጻመታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና፡ ኣብዚ ዘይርጉጽነት ዘለዎ እዋን ድማ ምትሕግጋዝናን ጓሳዊ ደገፍ ንምሃብ ድልውነትናን ክንገልጽ ንደሊ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጳጳሳት ቨነዝወላ ግሉጽነት ክህሉ ዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ መሰረት ድማ ግሉጽነት ውጽኢት ምርጫ ክህሉ ኣብ ድምጺ እቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ዜጋታት ንሓብር ቢሎም፥ “ብተስፋ ጸኒዕና ደው ንበል” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ምርጫን ዝተሓበረ ውጽኢት ምርጫን ኣብ ቬንዙዌላ ዝርከብ  ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘመሓድሮ ማሕበራዊ ተግባርን ምርምርን ማእከል፡ "ዓመጽን ፖለቲካዊ ስደትን" ብምንጻግ፡ "ኩሎም ዜጋታት፡ ውድባት፡ ሓይሊ ጸጥታን ህዝባዊ ሰበስልጣንን" "ሕገ-መንግስቲ ከኽብሩ" ዝጠልብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ "ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምርጫ" ይብል መግለጺ እቲ ማእከል ኢየሱሳውያን፥ ድሕሪ ምርጫ ዓመጽን ወጥሪን ከይህሉ ግልጽነት ዝመልኦ ኣሰራርሓ ውሑስ ክኽውን ሓቲቱ፡ ውጽኢቱ ክሳብ ዘይተነጸረ፡ ነቲ ዝተኣወጀ ተዓዋቲ ኣፍልጦ ምሃብ ዘይፍትሓዊ እዩ” ከም ዝበለን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምህዳው መንጎይና ኣብ ምዃን ክቕጽል ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ "መስርሕ ምርጫ ምስ ቅዋም ሃገር ዝሰማማዕን ብዛዕባ ውጽኢት ዝምልከት ዝቐርብ ዘሎ ጥርጣረታት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ናጻ ዝኾነ መርማሪ ኣካል ክቐውም ኣለዎ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

31 July 2024, 14:50
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031