ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Rondo (Allegro grazioso)
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2020.04.28 papa paolo vi 2020.04.28 papa paolo vi  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ለ.ጳ. ጳውሎስ 6ይ፦ ዘተ መልሲን መድሓኒትን ናይ ሃይማኖታዊ ንግድን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን

ዋና ኣሰናዳኢና ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀስ ዜና ቫቲካንን ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘሰናደውዋ ኣብ መበል 60 ዓመት ሕትመት "እንቲኣሁ ቤተክርስቲያን" ዘርእስታ ናይ መጀመርታ ኣዋዲት መልእኽቶም ገሊጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዘተ "ጃህራ ኣይኮነን፣ መሪር ኣይኰነን፣ ዘጸይፍ ውን ኣይኰነን ። እቲ ኣገዳስነቱ ኣብ ውሽጡ ዘካተተ ኮይኑ ነቲ ዝገልጾ ሓቂ፣ ነቲ ዝካፈሎ ፍቕሪ ከምኡውን ነቲ ዝገልጾ ኣብነት ኢዩ ዘመልክት፣ ትእዛዝ ኣይኰነን ዘገድድ ውን ኣይኰነን ። ሰላማዊ ኢዩ፣ ካብ ዓመጻ ዝመልኦ ሜላታት ዝረሓቐ፣ ዕጉስ እዩ፣ ለጋስ ውን ኢዩ፣” - በዚ ኸምዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ 60 ዓመት ይገብር ብዕለት 6 ነሓሰ 1964 ዘሕተምዎ “እንቲኣሁ ቤተክርትያን” ዘርእስቱ ናይ መጀመርያ ዓዋዲት መልእኽቶም ክብሉ ጸሓፍፉ።

እዘን ሒደት ቃላት እዚኣተን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ 6ይ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝምረጹ ድሕሪ ሓደ ዓመት ጸኒሖም ምሉእ ብምሉእ ካብ ብርዖም ናብ ጽሑፋቶም ዝፈሰሰ ዘደንቕ መልእኽቶም ዘለዎ ኣገዳስነት ንምርዳእ እኹላት ኢያተን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጌና ኣብ ኪደት ኢዩ ዝነበረ ።

እዞም ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ብረሽያ እተወልዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተልእኾ ኢየሱስ "ዘተ ድሕነት" ክብሉ ጸውዕዎ፣ ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ ንኽቕበሎ ብኣካላዊ መዳይ ከም ዘየገድድ ድማ ገለጹ፣ ይኹን እምበር ክንጸግ ዘይከኣል ጠለብ ፍቕሪ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብቶም እተቐበልዎ ዓብዪ ሓላፍነት ብምዃኑ "ምላሽ ኪህቡሉ ወይ ኪነጽግዎ ናጻ ገዲፍዎም እዩ" በሉ። ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ርክብ እንክገልጹ ከምዚ በሉ - "እቲ ዘተ ዘበገሰ ጽቡቕ ጠለብ ኣኽብሮትን ምርድዳእን ዘለዎ ከምኡውን ሰናይ ዝኾነ ዘቕረቦ ሕቶ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ፣  ነቶም ዝኣረጉ ፍርድታት ማለት ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጸርፍን ውርደትን ግዜ ዝሓለፎ ምትዅታዃትን፣ ዋጋ ዘይብሉ ዕላላትን ንዘይጠቅም ዘረባን ንምዝራብ ግዜ ዘለዎ ኣይኰነን።"

ኣብ መንጎ እዚ ኣቀራርባ እዝን ኣብ መንጎ እቶም ንዅሉ ነገር ፍርዶም ዝህቡን፣ ንዅሎም እቶም ዜነኣእስ ዘረባ ዝጥቀሙን ከምኡውን "ጸላኢ" ንምርካብ ሃሰስ ዝብሉ ዝለዉ ዚመስሉ ሰባትን ማሕበራዊ ሜድያታት ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ከነስተብህለሉ ይከኣል እዩ።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘተ ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣገዳሲ ብምዃኑ፣ ዕላማኡ ብኡንብኡ እምነት ንምቕያር ኣይኰነን ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ንስሓ ወትሩ ጸጋ ኣምላኽ ደኣ እምበር ላህጃዊ ጥበብ ተልእኾና ኣይኰነን ። ኣብ ክንድኡስ ካብ ዝነበርካዮ እምነት ወይ ሃይማኖት ምምላስ  "ናይ ሓደ ኩነት ኣእምሮ ... [ማለት] ንድሕነቱ ካብ ንድሕነት ካልኦት ፍጺሙ ፈልዩ ዘይርኢ ግንዛቤ" ዝሓትት ኢዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ በይኑ ክድሕን ኣይክእልን እዩ ። መናድቕ ብምስራሕ ወይ ውን "ንጽሕና" ንምዕቃብ ካብ ምርኻስ ንምርሓቕ ካብ ዓለም ኣብ እተፈልየ ዕርዲ ብምእታው እውን ኣይንድሕንን ኢና።

ዘተ "ብውህደት ሓቅን ሓልዮትን ናብ ምርዳእን ፍቕርን ከብጻሕ" ይከኣል ኢዩ ። ንመንነት እቶም ወንጌል ንምስባኽ ምስ ዓለምን ምስ መደባታን ተሰማሚዕካ ምኻድ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ዕሽሽ ምባል ውን ኣይኰነን። ከምኡ ውን ንመንነት ጸብለልትነት ማለት ንሓደ ሰብ ንኻልኦት ከም ዚንዕቕ ዚገብሮ ፍሉይነት ውን ኣይኰነን። "ቤተ-ክርስትያን ምስቲ ዘላትሉን እትዓየሉን ዘላ ዓለም ክትዘራረብ ኣለዋ ። ቤተ-ክርስትያን እትብሎ ነገር ኣለዋ ቤተ-ክርስትያን እተብጽሓሉ መልእኽቲ ውን ኣለዋ፣ ቤተ-ክርስትያን ከተመሓላልፎ ዘለዋ ነገር ኣለዋ” ከመይሲ "ንዓለም ቅድሚ ምቕያራ እውን ከይተረፈ ንምቕያሩ ምስ ዓለም ክትራኸብን ክትዘራረብን ኣለዋ።" ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ከም ዝገለጽዎ ከኣ ዓለም "ካብ ወጻኢ ኽትድሕን ከም ዘይትኽእል" ኣመልከቱ።

እዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ዝጸሓፍዋ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቶም ግን ኣብቶም ናይ መጀመርታ ቓላቶም ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ካልእ ጠቓሚ ምስትውዓል ሒዛ ትርከብ ። ንሳ "ቤተ-ክርስትያኑ ኢያ" ማለት “እንቲኣሁ ቤተክርስቲያን” ማለት ቤተ-ክርስትያን በቲ መስራቲኣ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ እያ እትውነን። "ናትና" ኣይኰነትን ብኢድና ኣይኰነትን እተሃንጸት ፍረ ብልሓትና እውን ኣይኰነትን። ውጽኢታውነታ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን፣ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ዝግበር ወፍሪ ውን ኣይኮነንን ወይ ውን ሜዳታት ኣኼባታትና ኣብ ምምላእ እተመርኰሰት ውን ኣይኰነትን ። ቤተ-ክርስትያን እትነብር ዘላ ዓብዪ ፍጻመታት መራኸቢ ብዙሓን ከምኡውን ጽልዋ ዜሕድር ውጥናት ከተዳሉ ስለ እትኽእል ውን ኣይኰነትን።

ኣብ ዓለም በቲ መዓልታዊ ምስክርነት ናይቶም ኣዝዮም ብዙሓት "መሳኪን ክርስቶስ " ማለት ንሓጥኣን ይቕረ ብምባል እትህቦ ምስክርነት — ጽባቐ ናይቲ ዘድሕንን ተስፋ እትህቦ ምስክርነት — ኢያ ኣብ ዓለም እትግለጽ ። ቤተ-ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ዓለም ደው ኢላ ንዅሉ ሰብ ናብ ኢየሱስ ክጥምተሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ኢያ እተቕርበሉ።

(ብአንድረያ ቶርኔል)

03 August 2024, 18:20
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031