ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Programma Eritreo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ጆ ባይደን ኣብ ምርጫ ከም ዘይቀርብ ድሕሪ ምሕባሩ ንፈለማ እዋን ንህዝቢ መደረ የስምዕ ጆ ባይደን ኣብ ምርጫ ከም ዘይቀርብ ድሕሪ ምሕባሩ ንፈለማ እዋን ንህዝቢ መደረ የስምዕ  (Copyright 2024 The Associated Press. All rights reserved)

ጆ ባይደን ኣብ ምርጫ ከም ዘይቀርብ ድሕሪ ምሕባሩ ንፈለማ እዋን ንህዝቢ መደረ የስምዕ

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር ምርጫ ሕጹይ ኮይኑ ከም ዘይቀርብ ካብ ዝሕብር ንደሓር ንፈለማ ግዜ ንህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መደረ ኣስሚዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሰንበት ዕለት 21 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ርእሰ ብሔር ዳግማይ ንኽምረጽ ሕጹይ ኮይኑ ከም ዘይቐርብ ሓቢሩ፡ ክሳብ ናይ ርእሰ ብሔር መዝነቱ ዘብቅዕ ሃገሩን ህዝቡን ኣብ ምግልጋል ከም ዝቕጽል ሓቢሩ ከም ዝነበረን ዕለት 24 ሓምለ ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሃገሩ ተለቪዥን ማዕከናት ንኣመሪካውያን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንሃገር ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ምግልጋል ክብሪ እንተኾነ ግን ዳግማይ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐርበሉ ዕድል ንሓድሽ ወለዶ ምርካብ ግዚኡ እዩ ቢለ እኣምን” ከም ዝበለን ብተወሳኺ ንዲሞክራሲ ክብል ውልቃዊ ህርፋን ንጎኒ ገዲፈ እሓድግ” ከም ዝበለን፡ ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ኮይኑ ምግልጋል ኣብ ህይወቱ "እቲ ዝዓበየ ክብሪ" ከምዝኾነ ገሊጹ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኡ ንዘንበሮ "እምነት" የመስግን።

ደሞክራስያዊ ፖለቲክው ውድብ ወኪላ ኣብቲ ምርጫ ንኽትቐርብ ድማ ንምኽትሉ ካማላ ሃሪስ መሪጹ ንዓኣ እውን ከም ዝድግፍ ድሮ ከም ዘፍለጠን፥ "ካማላ ኣብዚ ዓመት ሕጹይ ፖለቲክዊ ውድብና ክትከውን ምሉእ ደገፈይ ከቕርብ እደሊ . . . “ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ማዕከናት ዜና ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ጠቒሱ የመላኽት።

26 July 2024, 15:13
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031