ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Sinfonische Dichtung
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2022.08.26 Pellegrinaggio di Ministranti dalla Francia 2022.08.26 Pellegrinaggio di Ministranti dalla Francia  (Vatican Media)

ካርዲናል ሆለሪኽ፦ ኣገልግሎት ኣብ መንበረ ታቦት ኣገልግሎት 'ንኣምላኽን ንኻልኦትን ' እዩ!

ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 50,000 መንእሰያት ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ናብ ሮሜ ዝገብርዎ ኣህጉራዊ ንግደት ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካዪዶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 50,000 ዝዀኑ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ናብ ከተማ ሮሜ ንግደት የካይዱ ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ኽፋል ናይቲ ህጉራዊ ማሕበር ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት  ንኣወዳትን ኣዋልድን መሰውኢ ዘካይድዎ ንግደት እዩ ።

እዚ ኻብ 29 ሓምለ ክሳዕ 3 ነሓሰ ዝካየድ ዘሎ ንግደት፣ እቶም ተሳተፍቲ ናብቶም ኣብ ከተማ ሮማ ዚርከቡ ኣርባዕተ ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ክበጽሑን ምስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክራኸቡን ኢዮም።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብዚ ንግደት ዝሳተፉ ዘለዉ 35,000 ዝዀኑ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ኻብ ሃገረ ጀርመን ዝመጹ እኳ እንተዀኑ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ እንተላይ ካብ ኦስትርያ ክሮኤሽያ ሃንጋሪ ስሎቫክያ ዩክረይን ዝመጹ ተሳተፍቲ እውን ክህልዉም ኢዮም ።

እቶም ናይ ላክሰምበር ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ምሉእ ሰሙን ምስ እዞም ነጋዶ ክሓብሩ ኢዮም።

ንኣምላኽ ምግልጋል፣ ንኻልኦት ምግልጋል

ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ኣብ ዝሃብዎ መግለሲ ፍረ ነገር ናይዚ ጕዕዞ "ምሳኹም ኢየ!" ዝብል ጭርሖ ካብ ትንቢተ ኢሳይያስ  41፡ 10 እተወስደ ኾይኑ፣ እዚ ምሳኻትኩም ኢየ ዝብል ዘሎ ቅድም ቀዳድም ንኣምላኽ ዝምልከት ኢዩ፣ “ንሱ ድማ እቲ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ እነገልግሎ ክርስቶስ ኢዩ፣” ብምባል መግለጺኦም ጀመሩ።

ይኹን እምበር ነቶም ብሓባር ኣብዚ ንግደት ዝሳተፉ ዘለው "ጕጅለ ኣዕሩኽ" እውን ዝምልከት እዩ። ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም "ንኣሓትናን ንኣሕዋትናን ከየገልገልና ንክርስቶስ ከነገልግል ስለ ዘይንኽእል እዚ 'ምሳኻትኩም ኢየ' ዝብል ዘሎ ሰፊሕ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ" በሉ።

ምስ ድንዳነ ምቅላስ

ካርዲናል ሆለሪኽ ከም ዝገለጽዎ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት መብዛሕትኦም ኣጉባዝ መንእሰያት ስለ ዝዀኑ መንእሰይ ዘለዎም ኣገዳሲ ጕዳይ ምድንዳን እዩ ። ብፁዕነቶም ኢንተርነት ንድንደና ናብ "ዜስካሕክሕ ኩነቱ" ከም ዝቐየሮ ኣጕልሑ።

ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት "ክድንድኑ የብሎምን የግዳስ ወትሩ ኣብ ቤት ትምህርቶም ወይ ኣብ ኣገልግሎቶም ኣብ ጐድኒ እቶም ድኹማትን ተነቀፍትን ብጾቶም ክዀኑ ኣለዎም" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ብዛዕባ እዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ንግደትን ቀጺሎም ድማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ርክብን ብምግላጽ ነዚ ቃለ-መሕትት እዚ ዛዘምዎ፣ እዚ ንግደት እዚ ኸኣ 50,000 ዝዀኑ መንእሰያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክእከቡ ኢዮም።

ብፁዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣጋጣሚ እዚ "ምስክርነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምስማዕን በቲ ኣብ መንበረ ታቦት ዝግብርዎ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ንምግልጋል ንምትብባዕን" ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝፈጥረሎም ክኸውን ኢዩ።

30 July 2024, 14:19
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031