ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Finale (Molto allegro)
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ኣብ ኢትዮጵያ ምድርማስ ጨቃው መሬት ዘስዓቦ መጉዳእቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምድርማስ ጨቃው መሬት ዘስዓቦ መጉዳእቲ  (AFP or licensors)

ኣብ ኢትዮጵያ ምድርማስ ጨቃው መሬት ዘስዓቦ መጉዳእቲ

ነበርቲ ክልተ ዓድታት ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ርሑቕን ኣኽራናውን ከባቢ ካብ ምድርማስ መሬት ዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ጻዕርታት ሓገዝ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብርቱዕ ዝናም ኣብ ዝተሃስየሉ ርሑቕ ዞባ ጎፋ ኢትዮጵያ ብዘስዓቦ ክልተ ምድርማስ ጨቃው መሬት ብውሑዱ 157 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ካብኣቶም ሰኑይ ዕለት 22 ሓምለ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዝተበገሰ ናይ መጀመርታ ምድርማስ ጨቃው መሬት ንዝደሓኑ ሰባት ክበጽሑ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ተዓጽዮምን ተቐቢሮምን ከም ዝተረፉን ድሕሪኡ ድማ ዕለት 23 ሓምለ ንግሆ ኣብ እዋን ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ዝወረደ ካልኣይ ምድርማስ ጨቃው መሬት ክም ዘጋጠመን ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ካብቶም ግዳያት ንኣሽቱ ህጻናትን ነፍሰጾራትን ከም ዝርከብዎምን እቲ ምድላይ ስርሒት ኣድሕን ህይወት ይቕጽል ከም ዘሎን ኣፍሊጦም፡ ጎፋ ካብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 320 ኪ.ሜ ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ብዞባ ደቡብ ብሄራት እትፍለጥ ኮይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ክጸንሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ወቕቲ ዝናም ምፍራስ መሬት ልሙድ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ጽልዋ ቅልውላው ከባቢ ኣየር

ብጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሓያሎ ዞባታት ዘጋጠመ ምዕልቕልቕ ማይ ልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ከምዝቖሰሉን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም እዝተመዛበሉን መነባብሮን ትሕተ ቅርጽታትን ከምዝሃሰየን ይሕብር። እቲ ምዕልቕልቕን ምድርማስ መሬትን ዋላ’ውን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ደርቂ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን’ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ። ኣብታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝተኣሳሰሩ ብድሆታት ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጥሞም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት።

24 July 2024, 15:45
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031