ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Vespri in Latino
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ጉጅለ ኣትሌት ቫቲካን ንኣትሌታት ኦሎምፒክ ዓብይ ሓላፍነቶም የዘኻኽር ጉጅለ ኣትሌት ቫቲካን ንኣትሌታት ኦሎምፒክ ዓብይ ሓላፍነቶም የዘኻኽር  (ANSA)

ጉጅለ ኣትሌት ቫቲካን ንኣትሌታት ኦሎምፒክ ዓብይ ሓላፍነቶም የዘኻኽር

ቅድሚ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ስፖርታዊ ውድድር 2024 ዓ.ም. መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ፓሪስ ኣባላት ጉጅለ ኣትለት ቫቲካን ነቶም ስፖርተይናታት ኣብ ሕውነታዊ ምሕዝነት ከተባብዑን እቲ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ኣብ ዓለም ዕርቂ ዘህሉ ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት የቃልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኩላን ኦሎምፒክ ስፖርታዊ ውድድር ንሰላምን ስፖርታዊ ግጥም ጸረ ኲናትን ክኸውን ይኽእል" ቅድስቲ መንበር ናብቲ መደብ ስፖርት ንጉጅለ ስፖርት ቫቲካንን ንኹሎም ተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ቅሉዕ መልእኽቲ ኣስተብሂላ እቶም ስፖርተይናታት ብመንፈስ ሕውነትን ቅርበትን ኣብ ፍትሓዊ ጸወታኦምን ዓወቶምን ንቕድሚት ክኸዱ ተተባብዕ።

ስፖርተይናታት ቫቲካን "ብጽባቐን ፍትሓውነትን ስፖርታዊ ምልክት ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ከምኡ'ውን ፈጺሙ ኣቋራጺ መንገዲ ከይተጠቀሙ፡ እቲ ጸወታታት ንተስፋ ዝኸውን ዕድላት ከርህው ከም ዝኽእል" ዘመላኽቱ ከም ዝኾኑ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፈቶ ቅሉዕ መልእኽቲ ትሕብር።

ዕርቂ ኦሎምፒክ

ጉጅለ ኣትለት ቫቲካን ሎሚ ዓመት ዝካየድ ኦሎምፒክ ብዓለም ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ብወጥርን በደልን ዝተሰነየ ከም ዝኸውን ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ እዚ እንነብሮ ዘሎና እዋን "ንደቂ ሰባት ጸልማት ግዜ" እዩ ቢሉ ብምኹናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒክ ስፖርት ዓለም ሓቆፍ ጻውዒት ዕርቂ ክኸውን ዘቕረብዎ ለበዋ ኣብቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፈቶ ቅሉዕ መልእኽቲ ብኣጽንዖት ብምዝኽኻር

እቲ ማሕበር ስፖርት ቫቲካን ስፖርት ንሰላም ምዃኑ ዘመልክት፡ ነዚ ኣብ ኩሉ መዳይ ስፖርት ንምትብባዕ ዝግበር ጻዕርታት እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ዓ.ም. ዝነብሮ ኩነት ክኸውን ጻውዒት ዘቕርብ ኮይኑ፡ እቶም ስፖርተይናታት ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እናተፈናጀረ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ኲናት ዓለም” እንክብሉ ዝገለጽዎ ዘሰክፍ ኩነታት “ክብቅዕ” ዝጽውዕ ዝያዳ ሰብኣዊ ሕውነት ከምዕብል ዘቕርብዎ ለበዋ እቲ ህቡብን ርዱእን ቋንቋ ስፖርት፡ ከምኡ’ውን ክብርታቱ፡ ክምስከርን ኩሎም ነዚ ዕላማ’ዚ ኣበርክቶ ክገብሩ ድማ ቅድስቲ መንበር ትላበው።

'ማራቶን ህይወት'

ናብ ኦሎምፒክ ጸወታታት ዘብጽሕ፡ "ነፍሲ ወከፍ ልምምድ፡ ነፍሲ ወከፍ ዝስገር ብድሆ፡ ነፍሲ ወከፍ ብትብዓት ዝግጠም ጸገም ዝተመልአ ህሞት፡ ናብ ዓወት ወይ ስዕረት ጥራይ ዘይኮነስ ጉዕዞ ህይወት በይንኻ ፈጺሙ ዘይፍጸም ምዃኑ” ዘረጋግጽ እዩ፡ ኣትሌት ቫቲካን ንኹሎም ስፖርተይናታት ኦሎምፒክ ብሓባር ምሕዝነትን ሞሳን ብምሕቋፍ "መዳልያ ሕውነት" ክዕወቱ ብዝብል ለበዋ ቅድስቲ መንበር ናብቲ ናይ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ዓ.ም. ዘመሓላለፈቶ ቅሉዕ መልእኽቲ ትዛዝም።

26 July 2024, 14:40
Prev
June 2025
SuMoTuWeThFrSa
1234567
891011121314
15161718192021
22232425262728
2930     
Next
July 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
2728293031